ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ጀርመንን እንግሊዝን ዑደት ስራሕ ኣካይደን

አዲስ አበባ ፣ ሐምሌ 11፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ጀርመንን እንግሊዝን ዑደት ስራሕ ኣካይደን።

እተን ሚኒስትር ንምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ሚጉዌል በርገርን ንሚኒስተትር ጉዳያት ኣፍሪካ እንግሊዝ   ጄምስ ዱድሪጅ ከምኡውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍተ ስራሕ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብምድሃብ መብርሂ ሂበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ውሳነ ድው ምባል ተኹሲ እንትገብር ብዋናነት ህዝቢ ትግራይ ካብ ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምድሓንን እዋን ሕርሻ ንከይሓልፎን ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ነዚ ድማ ንህዝቢ ልዕሊ 400,000 ኩንታል  ምግብን  ምግቢ ተንፍ ዘይኮን ናውቲታትን ነዳዲን ኣብ መኽዘን ከምዝተቐመጠ ሓቢረን።

ብተወሳኽ ብ6 ኣጋራት ሰብኣዊ ሓገዝ ክሳብ ሐዚ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበር ኣሎ ኢለን።

ማሕበረሰብ ዓለም ቅዋም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተረዲኡ ከውግዝ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪበን ክብል ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment