ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ዶክተር ማሺዲሶ ሬቤካ ሞቲን ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ድማ ኣብ ጉዳያት ግልጋሎት ጥዕና ማሕበረሰብ፣ ጥዕናን ሰላምን ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ፣ ፅዕንቶ ለበዳ ኮቪድ-19ን ማሕበረ ኢኮኖሚን ከምኡ እውን ኣብ ተዛመድቲ ጉዳያት ዘድሃበ ኢዩ።

እተን ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ጥዕና ሓዊሱ እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን ዘጋታት መሊስካ ምምላስን ዝምልከት ገለፃ ገይረን።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ካልኦት ፕሮግራማት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓፈሻ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ዘኣተወትሉ እዋን ንዝገብሩዎ ሓገዝ ኣመስጊነን።

እተን ዳይሬክተር ብግደአን፥ መሰረታዊ ሽፋን ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ንብዙሕ ዓመታት እናተኸታተለኦ ዝፀንሓ ጉዳይ ከምዝኾነን እናተመሓየሸ ከምዝመፅአን ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክታበት ኮቪድ-19 ክበፅሖም ብምግባሩ ምምስጋነን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment