ወ/ሮ ሙፈሪሃት ምስ ፍሉይ ተወካሊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ፍሉይ ተወካሊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶክተር ኣኔቴ ዌበር ተዛቲየን።

ወይዘሮ ሙፈሪያት ኣብ ዘተአን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባዊ ጉዳያትን ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

ሕበረት ኣውሮፓ ንልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝ ኣመስጊነን።

ዶክተር ኣኔቴ ዌበር ብግደአን፥ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ፅቡቕ ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ልምዓትን ንምቕፃል ዘለዎ ጥንኩር ድሌት ምግላፀን ካብቲ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment