ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዓውዲታት ምትሕብባርን ሓገዝን ኣድሂበን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ምስ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ኣብ ቀንዲ ዓውዲታት ምትሕብባርን ሓገዝን ኣድሂበን ተዛቲየን።

ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዑደት ዝገበራ እንትኾና፥ ኣብ ጻንሒተን እውን ብዓለም ለኸ ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ (ዩኤስ ኤይድ) ነቲ ቤት ፍርዲ ዝግበሩ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ምትሕብባርን ሓገዝን ከምዝተዛተያ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብዩ ኤስ ኤይድ ኣቢሉ ዝግበር ሓገዝ ብፍላይ ስርዓት ፍትሒ ንምምሕያሽነ ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲን እቲ ቤት ፍርዲ እናሰርሖም ዝፀንሑ መርሃ ግብሪ ስራሕቲ ሪፎርም ንምድጋፍን ንምጥንኻርን ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment