ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ትምህርቲ ወድዓዊ ሓቂ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምፍላጥ ዝተጀመረ ወፍሪ “ወፍሪ ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ” ክታሞም ብምንባር ኣጀሚሮም።
ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣቢያተ ትምህርቲ ጉድኣት ብምብፃሕ ልዕሊ 3 ሚሊየን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ክኾኑ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።
ብምኽንያት መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን፣ ኣብ ክልል ትግራይ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን፣ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ልዕሊ 200 ሺሕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ወፃኢ ኮይኖም ኢዮም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ “እዚ ሓቂ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካን ካቢኔኦምን ክፈልጡዎን እቲ ጉጅለ ተሓታቲ ክገብሩዎን ንደሊ ኢና” ኢሎም።
ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 6 ሺሕ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ 3 ሺሕ፣ ኣብ ዓፋር 500 ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ጥቕሚ ወፃ ምግባሩ ካብ ሚኒስትር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።