ወፍሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ናፅነታ ከምዘመስከረት ዘረጋግፀ እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ኣርባምንጭ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወፍሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ናፅነታ ከምዘመስከረት ዘረጋግፀ እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ኣርባምንጭ ተዛሪቦም።

እቶም ነበርቲ ወፍሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፤ ንልዕልነት ኢትዮጵያ ዝህልዎ ረብሓ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣሰር መራሒኦም ተኸቲሎም ከባቢኦም ካብ ምሕላው ሓሊፉ ናብ ግንባር ንምውፋር ከምዝተዳለዉ እውን ኣረጋጊፆም።

ኢትዮጵያ ካብ ቀደም ጀሚራ ክሕደት ሃገር ንዝፈፀሙላ ባንዳታት ውሽጥ ዓድን ፀላእቲ ወፃእን ብምምካት ዓወት ከምዝሓፈሰት ዘይከሓድ ሓቂ እዩ ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ኣርባምንጭ÷ ውሳነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እውን ነዙይ ዘርኢ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ናፅነታ ሒዛ ምፅናሓ ካብ ክብሮም ብዝበለፀ ሃገርን ህዝብን ዘቐድሙ መራሕትን ህዝብን ብዝኸፈልዎ መስዋእተነት እዩ ከምዝበሉ ፀብፃብ ትካል ሬዲዮን ቴሌቭዥንን ደቡብ ሓቢሩ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment