‘ወገነይ’ ኢሉ ብዘገልገሎ ኣካል ከም በጊዕ ዝተሓረደ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ኣይንርስዖን – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)’ወገነይ’ ኢሉ ብዘገልገሎ ኣካል ከም በጊዕ ዝተሓረደ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ኣይንርስዖን ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

“ንክልተ ዓሰርተ ዓማውቲ ‘ወገነይ’ ኢሉ ኣብ ጉድጓ ኮይኑ ህይወቱ፣ ስድርኡ፣ ናብርኡ ኣሕሊፉ ንዘሃበሉ ኣካል ኣብ ዝደቀሰሉ እቲ ጅግና ወታደር እዚ ሰሜን፤ ብድሕሪቱ ዝተወግአ፣ ጥራሕ ዝባኑ ንኽዋረድ ዝተገበረ፣ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ ከቦሮ ዝተወቕዐሉ ወታደር ኣብ ዝኾነ ይኹ እዋን ኣይንርሰዖን” ክብላ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን፡፡

ንኢትዮጵያ ዘለኣለማዊ ክብሪ ዝኸፈሎ ናይ መወዳእታ ፀግዒ መስዋእትነት ኩሉ ግዘ ብታሪኽ ክንዝክሮ ኢና ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ብደምካ ዝጨፈሩ፣ ኣብ ልዕሊ ክቡር ሬሳኻ ከቦሮ ዝዘበጡ ከሓድቲን ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦምን ክንቀብሮም ኢና ኢለን፡፡

“ዝተኸፈልካዮ ክባር ዋጋ ኣብ ታሪኽ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ዕዙዝ ዝኾነ ቦታ ሒዙ ንዘለኣለም ክነብር ኢዩ” ክብላ ኣብ መልእኽተን ገሊፀን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment