ወደብ ሓዊሱ ኣብ ማያዊ ኣካላት ግልጋሎት ሚቲዎሮሎጂ ንመሃብ ዘኽእል ምድላው ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ወደብ ሓዊሱ ኣብ ማያዊ ኣካላት ቴክኖሎጂ ማሪን ብምጥቃም ግልጋሎት ሚቲዎሮሎጂ ንመሃብ ዘኽእል ምድላው እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ጎረባብቲ ሃገራት ተጠቃሚ ዝገብር ግልጋሎት ሚቲዮሮሎጂ ንመሃብ ዘኽእል ዓቒሚ ከምዘለዎ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣይተ ፈጠነ ተሾመ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ግልጋሎት ትንበያ ኣየር ኩለመዳይ ረብሓታት እናሃ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ግልጋሎት ትንበያ ኣየር ንዓውዲ ኣቪየሽን ዓንዲ ሑቐ ኮይኑ እናገልገለ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብኡ መጠን ድማ ግልጋሎት ትራንስፖርት ማይ ምጥቃም ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

እቲ ኢንስቲትዩት ወደብ ሓዊሱ ኣብ ማያዊ ኣካላት ትራንስፖርት ማይ ንስላጥ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ማሪን ብምጥቃም ግልጋሎት ትንበያ ኣየር ንመሃብ ዘኽእል ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓመታት በሪ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኮይና ብምፅናሓ እቲ ቴክኖሎጂ ናብ ስራሕ ክተእትዎ ከምዘይከኣለት ብምዝኽኻር፤ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሶማሌላንድ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዝተገበረ ስምምዕነት እቲ ቴክኖሎጂ ንምጥቃም ምቹው ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment