ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፥ ኣብ ኣገልግሎት ወደብን ተርሚናልን ኮምቦልቻ ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ኮይኖም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓታትን ማሽነሪታት ወደብን ኣድላዪ ፅገና ብምግባር፣ ሓይሊ ሰብ፣ ናውቲ መገልገሊ ቢሮን ካልኦት ኣድለይቲ እታወታትን ብምምላእ ኣዋዲዱ ካብ ሰኑይ 2 ጥሪ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ስሩዕ ኣገልግሎት እነሃበ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝርከቡ ትካላት ኢንዱስትሪ ካብ ዝበፅሖም ጉድኣት ተላቒቖም ናብ ስራሕ እናተመለሱ እቲ ወደብ ናብ ኣገልግሎት ምምላሱ ኣድላዪ ጥረ ኣቕሑትን ዝተፈላለዩ እታወታትን ብፍጥነት ናብ ውሽጢ ሃገር ንኸኣትዉ ብምግባር ፍርያታውነቶም ክቕፅሉ ምግባር ወሳኒ ግደ ኣለዎም ምባሉ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment