ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ብምዃን ተሸይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ጋምቤላ ህፁፅ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ጉባኤ፥ ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ብምዃን ሸይሙወን።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ባንቻየሁ ድንገታ፥ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንሰናይ ምምሕዳር፣ ልምዓት፣ ምርግጋፅ ፍትሒ ሓላፍነቶም ብትግሃት ክዋፅኡ ይግባእ ኢለን።

ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣገልግሎት መንግስቲ ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ህዝቢ ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ተረባሕቲ ዝገብር ብዙሓት ሕጊታት ከምዘውፅእ ሓቢረን።

 

Comments (0)
Add Comment