ወናኒ ኣውራምባ ታይምስን ጋዜጠኛን ዳዊት ከበደ ብዝተተርጠረሉ ገበን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተኻቲዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ወናኒ ኣውራምባ ታይምስን ጋዜጠኛን ዳዊት ከበደ ባህታ ብዝተተርጠረሉ ገበን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተኻቲዑ።

መርማሪ ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ብዝተውሃቦ 13 መዓልቲ እዋን ምርመራ ኣብ ልዕሊ ተጠርጣሪ ዝገበሮ ምርመራ ንመጋባእያ ኣቕሪቡ።

ዝተፈላለዩ ፅቡቕ ጎኒ ዘለዎም መደባት መንግስቲ ብኽፉእ ጎኒ ብምትርጓም ንትግራይ ሌቪዝንን ድምፂ ወያነ ቴሌቪዝንን ብስልኪ ሓበሬታ ይልእኽ ከምዝነበረ “ብዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኣረጋጊፀ ኢየ” ኢሉ እቲ መርማሪ ፖሊስ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎንፂ እናቐስቀሰ ከምዝነበረ ብሓበሬታ ምርግጋፁ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ፥ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌዴራል ፅዕንቶ ንኽፍጠር ጎስጓስ እናገበረ ከምዝነበረ እውን ኣብሪሁ።

ኣፅዋር ካብ ክልል ትግራይ ክወፅእ የብሉን፣ ብወለድና ደም ዝመፅአ ኣፅዋር ኢዩ ብምባል መናእሰይ ትግራይ መገዲ ንኸዓፅዉን እቶም ኣፅዋር ከይወፅኡን ቅስቀሳ እናገበረ ከምዝነበረ ብዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኣረጋጊፀ ኢየ ኢሉ።

መርማሪ ፖሊስ ምስቲ ተጠርጣሪ እናሰርሑ ዝነበሩ ናይ ትግራይ ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ቴሌቪዝንን ተሓጋገዝቱ ሓዊሱ ንመሓዝ ኣብ ክትትል ከምዝርከብ ብምግላፅ ብመንፅር ዝጀመርኩዎ ስራሕ ምርመራ ተወሳኺ እዋን ምርመራ የድሊየኒ ኢዩ ክብል ሓቲቱ።

ጠበቓ ተጠርጣሪ ብግድኡ፥ ተጠርጣሪ ጋዜጠኛ ፖለቲካዊ ምርመራ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሰርሖም ቃለ መሕትታትሓበሬታ ኣብ ናይ ባዕሉ መርበብ ሓበሬታ ከምዝልጥፍ፤ ምስቲ ዝተብሃለ ገበን ርክብ የብሉን፤ ኣብ ዝሰርሖ ምርመራ ጋዜጠኝነት ድማ ክሕተት ኣይግባእን ኢሉ፡፡

ናይ ሕሶት ዜና ብምስራሕ እውን ካብ ሽዱሽተ ኣብ ዘይበልፅ እዋን ቅፅዓት ኢዩ ዝንበረሉ ብምባል ብዋሕስ ጉዳዩ ኣብ ደገ ኮይኑ ንኽከታተል ሓቲቱ።

ተጠርጣሪ ዳዊት ከበደ በበኩሉ ‘‘እኔ በራሴ ድረገጽ ነው የምሰራው የተለየ ቅስቀሳ አልሰራሁም፤ የህወሓት አመራሮችን ቃለመጠየቅ ስለሰራሁ ነው እንደወንጀለኛ በየሚዲያው እየተዘገበ ያለው’’ ሲል ተከራክሯል።

ተጠርጣሪ ዳዊት ከበደ እውን “ኣነ ኣብ ናይ ባዕለይ መርበብ ሓበሬታ ኢየ ዝሰርሕ ዝተፈለየ ናይ ቅስቀሳ ስራሕ ኣይሰራሕኹን፤ ኣመራርሓታት ህወሓት ቃለ መሕትት ስለዝሰራሕኹ ኢዩ ከምገበነኛ በቢሚድኡ እናተፀብፀበ ዝርከብ” ክብል ተኻቲዑ።

መርማሪ ፖሊስ ድማ ተጠርጣሪ ብዋሕስ እንተወፂኡ ሓበሬታ ክሓብእን ስራሕቲ ምርመራ ከተዓናቕፍን ስይኽእል ኢዩ ክብል ነቲ ዋሕስ ተቓዊሙ።

ነቲ መዝገብ ዝመርመረ መጋባእያ እውን ንመርማሪ ፖሊስ ተወሳኺ 10 መዓልቲ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment