ወናኒ ሪል ስቴት ሙለር ዝተኸሰሱሉ ገበን ግዕዝይና ኣይፈፀምኩን ብምባል ቃል እምነት ክሕደት ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ወናኒ ሪል ስቴት ሙለር ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ዝተኸሰሱሉ ገበን ግዕዝይና ኣይፈፀምኩን ብምባል ቃል እምነት ክሕደት ሂቦም።

ተጠርጣሪ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል 5ይ ምድበ መጋባእያ ገበን ግዕዝና ቀሪቦም፡፡

ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ብዝተኸሰሱሉ 2 ገበን ግዕዝይና ኣብ መጋባእያ ክሲ ምስተለዓለሎም ጠበቓታቶም መቃወሚ የብልናን ዝበሉ እንትኾኑ፥ ኣይተ ሙሉጌታ እቲ ገበን ኣይፈፀምኩን ክብሉ ቃል ክሕደት ሂቦም።

ዓቃቢ ሕጊ ገበን ከምዝፈፀሙ ዘረድኡ መሰኻኽረይ ከስምዕ ምባሉ ስዒቡ መሰኻኽር ዓቃቢ ሕጊ መሰኻኽር ንምስማዕ ን7ን8 መጋቢት 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋኪሮስ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ብዘይግቡእ 50 ሺሕ ካሬ ሜትሮ መሬት ብምውሳድ ከምኡ እውን ኣብ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ድማ 11 ሺሕ ካሬ መትሮ ወረራ መሬት ብምግባር ብዝብል ክልተ ክሲታት ግዕዝይና ተመስሪቱዎም ኢዩ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment