ወናኒት መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና(Hero) ሲ ኤን ኤን 2019 ብምዃን ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ መቐለ ወናኒት ፋብሪካ ማርያም ሳባ መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና (Hero) ሲ ኤን ኤን 2019 ብምዃን ተዓዊታ።

ፍረወይኒ ሲ ኤን ኤን ጀጋኑ 2019 ኢሉ ካብ ዝመረፆም 10 ሰባት ቀዳመይቲ ብምዃን ኢያ ተዓወታ።

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1992 ብኬሚካል ኢንጅነሪንግ ቐዳማይ ዲግሪ ዝረኸበት ወናኒት ትካል ማርያም ሰባ መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ፥ ዘመናዊ መናፅሂ ደቂ ኣነስትዮ ዲዛይን ብምግባር ምህዞኣ ዘላለየትን ተግባራዊ ዝገበረትን ኢያ።

ፍረወይኒ፥ ንትምህርቲ ናብ ኣሜሪካ ምስ ከደት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ፅግያት ብዝምልከት ዘለወን ፅዕንቶታት ከመይ ከምዝቕረፍ ምሕሳብ ከምዝጀመረት ትዛረብ።

ብፍላይ ኣብ ገፀር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 3 ክሳብ 5 መዓልቲ ካብ ትምህርተን ዝቦኽራሉ ምኽንያት ወርሓዊ ፅግያ’ዩ ዝበለት ወይዘሮ ፍረወይኒ፥ “ኣብ 2005 እቲ ፀገም ክቐርፎ ኣለኒ” ዝበለቶ ፕሮጀክት ከምዝቐረፀት ትገልፅ።

ስለዝኾነ ፍረወይኒ እቲ ፋብሪካ ኣብ መቐለ ብምጥያሽ ከም ሓጥያት ዝረኣ ዝነበረ ልሙድ ኣረኣእያ ወርሓዊ ፅግያት ክስበር ብምግባራ፣ ንብዙሓት ደቂ ኣንስቲዮ ዕድል ስራሕ ብምፍጣራ፣ ኣባፅሕ ደቂኣንስትዮ ዘለወን ሕፅረት ናውቲ ወርሓዊ ፅግያ(ሞዴስ)ን ፓንትን ብሕሳር ዋጋ ክረኽባ ብምግባራ ጅግና (Hero) ሲ ኤን ኤን 2019 ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ቅድም ኢሉ ሓቢሮምዋ ምስ ዝተወዳደሩ 10 ሕሩያት ብሉጻት ጀጋኑ ሲኤንኤን እዚ ዓመት፥ ሽልማት 10 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ረኺባ ነይራ።

ሐዚ ድማ ተዓዋቲት ተወሳኺ 100 ሽሕ ዶላር ብምዃና ተወሳኺ ስልጠናታት ክትረክብ እያ ተባሂሉ።

ብምቹውነትን ፈሳሲ ናይ ምሓዝ ዓቕምን ካብቲ ዝድርበ መናፅሂ ዝፈልዮ ነገር ዘይብሉ ፍርያት መናፅሂ ማርያም ሰባ፥ በቢዓመቱ 600 ሺሕ መናፅሂን 300 ሺሕ ፓንቲታትን እናፍረየ ይርከብ።

እቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዓለም ፍልይ ዝበለ ስራሕ ዝሰርሑ በቢዓመቱ ተሓርዮም ዝሽለምሉን ኣፍልጦ ዝረኽብሉን ዓለም ለኻዊ ሽልማት እዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment