ወተሃደራዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዑደት ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኮንቲጀት ሁርሶ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወተሃደራዊ ርክብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዑደት ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኮንቲጀት ሁርሶ ተኻይዱ።
ተወካሊ ኣዛዚ ትካል ዓለም ለኻዊ መሰልጠኒ ምኽባር ሰላም ኢትዮጵያ ኮሎኔል ታምራት ኣንዳርጌ ከምዝበልዎ፥ ትኹረት እቲ ዑደት ሓደሽቲ ስራሕቲ ትራንስፖርትን ፅገናን ንምጥያሽ፣ እቲ መሰልጠኒ ዘመናውነቱ ሓሊዩ ንምሕዳስን ኣገልግሎት ዝህበሉ ኩነታት ንምምችቻውን ኢዩ።
ወታደራዊ “ኣታች” ጀርመን ኮሎኔል ቶማስ ሪበርሊንገ ብግደኦም፥ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ስራሕ ብቐፃሊ ንዝተለምናዮን ንእንሰርሖን ስራሕቲ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።
ወተሃደራዊ ምትሕብባር ጀርመንን ኢትዮጵያን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ምባሎም እወን ካብ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment