ወሳናይነት ህዝቢ ንፃት’ዉን እንተኾነ ንዋጋ ዕዳጋ ክቐርብ ኣይንፈቅድን ኣይግባእን’ዉን – ዶክተር ደብረፅዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወሳናይነት ህዝቢ ንፃት’ዉን እንተኾነ ንዋጋ ዕዳጋ ክቐርብ ኣይንፈቅድን ኣይግባእን’ዉን ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ከም ህዝቢ ዝተቓለስና ናይ ህዝቢ ናይ ምውሳን መሰል ንምርግጋፅ፣ ኩለመዳያዊ ፍትሕን ሓርነትን ጋህዲ ንምግባርን’ዩ፤” ኢሎም።

ህዝቢ ብዝመረፆ ንኽዳነ፣ ሌላን ጉሌላን ተኣልዩ ማዕርነት ክረጋገፅ፣ ብዝኣመነሉ ሕግን ስሪትን ንኽመሓደርን ኮታስ “ኣነ እየ ዝፈልጠልካ” ብዝብል ምስምስ ፍትሕን ርትዕን ንምጉዕፃፅ ዝግበር ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ንምእላይን’ዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብናይ ህዝቢ ወሳናይነት ክንደራደር ኣይንኽእልን፣ኣይግባእን እውን ኢሎም።

ህዝቢ ዘይኣመነሉን ዘይመኸረሉን ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣብ ዝበፅሖ ነገር ከምዘየለ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎና ዘረጋገፆ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ “ብረታዊ ቃልሲና’ዉን ናብ ዓወት ክበቅዕ ካብ ዘኽአሉ ምሽጥራት ዓወትና ወሳናይነት ህዝቢ ብሙሉእ ልቢ ብምቕባል ኣብ ነብሲ ወከፍ ናይ ቃልሲ መድረኽ ህዝቢ ክሳተፍን ክውስንን ዘኽእል ስርዓት ስለዝነበረን’ዩ” ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኩሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልን ዘኽብርን ከዓ ነዚ ብቃልስና ዝተኸልናዮ ስርዓት ከኽብርን ክኽበር ክገብር፣ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ነዚ ዝፃባእ ኣተሓሳስባን ተግባርን ብጥብቂ ክቃለስን ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ካብዚ ብተፃራሪ ክብርን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፉ ዝህብ ክንቃለሶ ኣለና፤ ኩሉ ምንቅስቓሳት እውን ንነገራት ብንቕሓትን ብብስለትን እናመዘና ክንስጉም ይግባእ መኢሎ።

ብሕብረትን ብምትሕግጋዝን ዝጀተጀመረ ናይ ልምዓት፣ ምንጋስ ምዕሩይ ምሕደራ፣ ምርግጋፅ ድሕንነትን ጥዕናን ህዝቢ ንምዕዋት ከምቲ ልሙድ ልዑል ርብርብ ክግበር ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment