ወሰኽ ዋጋ ኪራይ መንበሪ ገዛ ንምግዳብ ዝወፅአ ደምቢ ንሰለሰተ ኣዋርሕ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋ ኪራይ መንበሪ ገዛን ተኻረይቲ ምውፃእን ንምግዳብ ዝወፅአ ደምቢ ንሰለሰተ ኣዋርሕ ከምዝተናወሐ ተገሊፁ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሕቶ ዜጋታትን ሃገራዊ ኩነታትን ኣብ ውሽጢ ግምት ብምእታው ቅድሚ ሕዚ ተኻረይቲ መንበሪ ገዛ ንምልቃቕን ወሰኽ ዋጋ ክራይ መንበሪ ገዛ ንምግዳብ ደምቢ ምውፅ ይፍለጥ፡፡

እቲ ደምቢ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ተገይሩ ከምዝነበረ እውን ይዝከር፡፡

ሕዚ እውን ዜጋታት ካብ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ንምክልኻል እንትበሃል እቲ ደምቢ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንኅናዋሕ እቲ ምምሕዳር ከተማ ከምዝወሰነ ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ነዚ ብመሰረት ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ተኻረይቲ ክለቁ ምግባርን ወሰኽ ዋጋ ክራይ መንበሪ ገዛ ምግባርን ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment