ወሰን ተሳጋሪ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታዊያን ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወሰን ተሳጋሪ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታዊያን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመደቡ ካልኣይን ሳልሳይን ዓመት ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ምስ ሰራዊት ሰላም እታ ከተማ ብምትሕብባር ኢዩ ተጀሚሩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር)፥ እቲ ኣገልግሎት ንህንፀት ሃገር ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ሓላፊት ቢሮ ሰላምን ምምሕዳር ፀፅታን ወ/ሮ ሊዲያ ግርማ ብግደአን፥ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታት፣ ስራሕቲ ልምዓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጠመተ ከምዝገብር ገሊፀን።

እቶም ተምሃሮ ምስቲ ቢሮ ብምትሕብባር ካብ ማእኸል ክሳብ ክፍለ ከተማ መስ ዘሎ ኣወዳድባ ከምዝስራሕ ምግላፀን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment