ወርፅት ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2013 ዓ.ም ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝተፈላለዩ ሃገራዊ ምኽንያታት ተናዊሑ ዝፀንሐ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2013 ዓ.ም ውፅኢቱ ዕላዊ ምዃኑ ኤጀንሲ ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተና ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ 617 ሺሕን 991 ተምሃሮ 96 ሚኢታዊ ዝኾኑ ፈተነኦም ብክልተ ዙር ከምዝወሰዱ ተሓሩ፡፡

ብሓፈሻ ፈተና ካብ ሞንጎ ዝወሰዱ ተምሃሮ እተን 277 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተገኪፁ፡፡

እርማት ፈተና ድሕንነቱ ዘተኣማምን ብዝኾነን ካብ ምንኅኻእ ናፃ ብዝኾኑን መእረሚ ማሽናት ኣድላዪ ሓለዋ ድሕንነት ተገይሩሉ ብጥንቃቐ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ፡፡

ውፅኢት ፈተናታት ብብርኪ ዓይነት ትምህርቲ፣ ቤት ትምህርቲን ደረጃ ተምሃራይን ሰፊሕ ትንተና ውፅኢት ብምክያድ ውፅኢት ሕድሕድ ዓይነት ትምህርቲ ከምዝግገመ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ዙር ፈተና ሲቪክስ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ ብዝበሃል ደረጃ ምምስሳል ውፅኢትን ዝቕባበን ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ብትንተና እንትረአ ዝኾነ ይኹን ፀገም ዘይብሉ ስለዝኾነ ንኽምዝገብ ተገይሩ ተባሂሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment