ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅወስላሴ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ መልእኽቶም÷ ነበር ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላውን ዞባዊ ምትሕብባር ንኽመሓየሽን ንዘበርከተኦ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።

ኢጋድ ሕዚ ምስ ዝተሰየሙ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ኣብ ፅቡቕ መንፈስ ምትሕብባር ምስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።

ብፍላይ ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ምጥንኻር፣ ኣብ ዓውዲታት ሰላምን ልምዓትን ብሓባር ከምዝሰርሑ ምግላፆም ሓበሬታ ኢጋድ ኣመልኪቱ።

Comments (0)
Add Comment