ወርልድ ስኪል ንኢትዮጵያ መበል 88 ኣባል ብምግባር መዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልምዓት ክእለት ጠሚቱ ዝሰርሕ ዓለም ለኸ ትካል “ወርልድ ስኪል” ንኢትዮጵያ መበል 88 ኣባል ብምግባር ከምዝመዝገባ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ትካል ኣባል ምዃና ንመናእሰይ ክእለት፣ ሞያኦም ቦታ ንኽህልዎ ዝሕግዝ ዓብዪ ዕድል ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃያት ካሚል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ሊዮን እቲ ትካል ኣብ ዘካይዶ መበል 47 ዓለም ለኸ ውድድር ክእለት፤ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ብሰለስተ ዓውዲታት ሞያ ከምዝሳተፉ እውን ሓቢረን፡፡

በዚ ድማ ኣብ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ (ኣይቲ)፣ ኣብ ናውቲ ገዛን ቢሮን ከምኡ እውን ኣብ ምፍራይ ማሽን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ብዝለዓለ ደረጃ ውፅኢታዊነቱ ዘረጋግፅ ልምዓት ክእለት ብፍላይ ድማ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ መሰረት ዝገበረ ሪፎርም እናተሰናደአ ከምዝኾነ ኣመልኪተን፡፡

እቲ መድረኽ ልውውጥ ፍልጠት፣ ዓለም ትርከበሉ ብርኪ ክእለት ከምኡ እውን ምትእስሳር ኢንዱስትሪ ንምፍጣር ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ኣፍልጦ ዝህብ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብሃይማኖት ኢያሱን ዳዊት ደያሳን

Comments (0)
Add Comment