ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዘጋጠመን ከባቢታት ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ብኣውሮፕላን ነፀጋ ኬሚካል ከምዝጅመር ሚኒስትር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
እቲ ዕስለ ኣንበጣ ክሳብ ሐዚ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን 12 ሺሕን 653 ሄክታር መሬት ከምዝወረረ ብዝተገበረ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ምርግጋፁ ተሓቢሩ።
ኣፈፃሚ ስራሕ መራሒ ሓለዋ እፅዋት እቲ ሚኒስቴር በላይነህ ንጉሴ፥ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ቀፃልነት ብዘለዎ ኩነታት ናብ ሃገር ዘይምእታዉ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ሕርሻ ምስ ክልላት ብምውዳድ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ሃገር ኣቲዩ ጉድኣት ንከየብፅሕ ናይ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ንክልላት ዕስለ ኣንበጣ መከላኸሊ ኬሚካል፣ ኬሚካል ዝነፅጋ ተሽከርከርቲን ሰብ ሞያን ድጋፍ ከምዝገበረ ገሊፆም።
እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ ተዛሪቦም።
ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ክልል ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ብስፍሓት ከምዘጋጠመ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ትማሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምግላፁ የዝከር።
እቲ ዕስለ ኣንበጣ 20 ሓምለ 2015 ዓ.ም ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ኣብ ክልል ዓፋር፤ ያለው፣ መጋለን ኮኮባን ዝበሃላ ከባቢታት ዝተጨጨሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ካብዚ እናተበገሰ ናብ ዞባ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ብመልክዕ ዕስለ ብስፍሓት ይኣቲ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ትማሊ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣቢያ ሓየሎም፣ ዔራ፣ ሓድነት ናይ ምክልኻል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተሓቢሩ።
ካብ ጎረባብቲ ክልላት ተጫጪሑ ናብ ትግራይ ብስፍሓት ይኣቲ ስለዘሎ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ሕርሻን ምግብን (ፋኦን) ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብምውዳድ እቲ ዕስለ ኣብ መበገሲ ቦታ እንተሎ ክመክን ኣብ ምግባር መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝ ንኽገብር ተሓቲቱ ምንባሩ ይፍለጥ።
ብዮሐንስ ደርበው