ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከምዝተዛመተ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ከምዝተዛመተ ተገሊፁ።

ክኢላ ሓለዋ ዝራእቲ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሓለፎም ተመስገን ከምዝበልዎ፥ ኣብታ ዞባ ኣብ ወረዳ ወጀራት ጣብያ ፀሓፍቲ፣ ዓዲቀይሕ፣ ገንቲ፣ ሰንዓለን ጎንካን ከምኡ ውን ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ኣብ ጣብያ ኣራ ኣብ ወረዳ እንደርታ ድማ ኣብ ጣብያ ደርጋዓጀንን መሰረትን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣቲው ኣሎ።

ስለዝኾነ መንእሰይ እታ ዞባ ከም ወትሮ ነቲ ዕስለ ንምምካት ደገፉ ከጠናኽር ፀዊዖም ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ዜና እቲ 14 ነሓሰ 2012ዓ.ም ኣብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ዝሓደረ ዕስለ ኣንበጣ ትማሊ ምሸት ከባቢ ስዓት 1:30 ካብ ዞባ ደቡብ ከምዝወፅአ ዋና ኣማሓዳር እቲ ዞባ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅም ፅሒፎም።

እቲ ዕስለ ኣብ በረኻታት ወጀራት (ፅሓፍትን ዓድቓይሕን) ሓዲሩ ኣብ ለዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከብፅሕ ስለዝኽእል ዞባ ደቡብ ምብራቕ ልዑል ጥንቃቐ ይገብሩ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

“ካልእ ከቢድ ዕስለ ድማ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ማቻረ ዝሓደረ ስለዘሎ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ ኣዝዩ ከቢድን ኣፀጋምን ክኸውን ስለዝኽእል ከምቶም ዝሓለፉ መዓልታት ተወዲብና ክንምክቶ ኢና” ኢሎም።

እዚ ዕስለ ኣብ ልዕሊ ብቁልቲ ጣፍን ስርናይን ልዑል ጥቕዓት እናብፅሐ ስለዘሎ ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ግራት ከይሓድር ምርብራብ ግድን ከምዝኾነ ድማ ኣይተ ረዳኢ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ወፍሪ መኸተ ልዑል ግደ ንዘለዎም ኣመራርሓ ዞባ፣ ወረዳታትን ጣብያታትን፣ ኣባላት ሚልሻን ፍሉይ ሓይልን፣ ማሕበር ረድኤት ትግራይ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ተጋሩ ካብ ልቢ አመስጊኖም።

11 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳታት ራያ ጨርጨር፣ ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን ኣብ 7 ጣብያታት ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ከምዝተርኣየ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብዚ ዓመት ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ዓብይ ስግኣት ሕርሻዊ ንጥፈታትና ምዃኑ ብተደጋጋሚ እንዳሓበርናዮ ዝመፃእና ሓቂ እዩ ዝበለ እቲ ቢሮ፥  11 ነሓሰ 2012 ዓ.ም በተን ዝተሓበራ ሰለስተ ወረዳታት ትግራይ ኣቢሉ ኣብ ብርክት ዝበላ ጣብያታት ምእታው ንዝጀመረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት ንቑሕ ተሳትፎ ህዝብን ኣመራርሓን ከምኡ እውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ዝሓትት ኢዩ ኢሉ።

ኣብተን ቅድሚ ሕዚ ብተደጋጋሚ ኣንበጣ ዝኣትወለን ወረዳታት ተፀኒዑ ብንኡስ ክሳብ 200 ሊትር ኬሚካል ኣብ ሕድሕድ ተጠቃዕቲ ወረዳታት ዝተቐረበ እንትኸውን፥ ኣብ ኩለን ዞባታት እውን ነቲ ወራር ንምምካት ዝተቐመጠ ልዕሊ6 ሺሕን 880 ሊትር ኬሚካል፣ 1 ሺሕን 171 ናብሳክ መንፀግን 493 ሞተራይዝድ መንፀግን ከምዝተዳለወ ገሊፁ።

ኣብ መቐለ እውን ብተመሳሳሊ ንኹሉ ንምምእኻል መሰረት ተጌሩ ልዕሊ 10 ሺሕ ሊትሮ ኬሚካል፣ 2 ሺሕን 519 መንፀጊ ናብሳክን 25 ሞተራይዝድ መንፀግን ክዳለው ተገይሩ እዩ ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለታት ቴክኒክን ዳህሳስን ተጣይ.ን ኣብዝሓለፉ ኣዋርሕ ሰፊሕ ናይ ምልዕዓልን ምንቃሕን ተግባራት ዝተሳለጠ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝዓረፈሎም ከባቢታት ብ“ጂፒ ኤስ ጂ ኣይ ኤስ” ካርታ ተላዒሉ ኣብቶም ከባቢታት እንቛቑሖ ዝወደቐ ከይህሉን ከይጫጭሕን ተሓሳቢ ዝገበረ መፅናዕቲ ተኻይዱ ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ዝጭጫሕ ኣንበጣ በረኻ ከምዘየለ ስለዝተረጋገፀ እቲ ምክልኻል ካብ ደገ ንዝመፅእ ወራር ትኹረት ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment