ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 21 ክፍለ ጦር እዚ ደቡብ ወልዲያ ንምቁፅፅር ዝመፅአ ኣሸባሪ ሓይሊ ጁንታ ኣብ ጉባላፍቶ ወረዳን ከባቢኡልን ይድምሰስ ኣሎ ክብል ገሊፁ።
ዋና ኣዛዚ መበል 21 ክፍለ ጦር ጉና ከምዝበልዎ፥ ኣሸባሪ ህወሓትን ተረፍመረፍን ትማሊ ናይ መከላከያ ሰራዊት ዝበፅሖ ቅፅዓት ብምዝንጋዕ ዳግም ሕልሙ ንምስኻዕ ኢሉ ህፃናት ናብ ኲናት እናሳወረ ምንቅስቓስ ንምግባር አንተሞከረ እውን ብኣባላት ሰራዊት መበል 21 ክፍለ ጦር ጉና ሳንቃ ኣብ ዝተብሃለን ኣብ ጉባላፍቶ ወረዳ ከባቢን ናይ ሽብር ጉጅለ ኣባላት መድምሳስ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ።
እቲ ጁንታ ወልዲያ ተቖፃፂረ ዝበሎ ናይ ሓሶት ወረ ብምስትዋስ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ወልዲያ ኮይንና እኳ ናይ ሓሶት ወርኡ ብምንዛሕ እዚ ከባቢ ተቖፃፂረ እናበለ ህዝቢ ናይ ምሽባር ተግባሩ ከም ሓደ ናይ ኲናት ስልቲ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ህዝቢ እቲ ኣሸባሪ ብዝነዝሖ ናይ ብዕራይ ወለደ ወረ እንተይተደናገረን ከይተረበሸን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ብምዃን ህዝባዊ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።