ወለድና ብናፅት ዘፅንሑዋ ሃገር ካብ ወረርቲ ክንሕልዋ ይግባእ – ሜጄር ጄኔራል ጥሩዬ ኣሰፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ጥንቲ ኣቦታትና ሉኣላውነታ ኣኽቢሮምን ክትክበር ገይሮምን ዘረከቡና ሃገር ብኣና ዘበን እውን ካብ ዘረፍቲን ወረርቲን ናይ ምሕላው ግቡእ ኣለና ክብላ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዳይሬክተር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሜጄር ጄኔራል ጥሩዬ ኣሰፌ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ትሕቲ ዋና ዳይሬክቶሬት ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ዝርከባ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮን ሲቪል ሰራሕተኛታትን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ብዝብል ርእሲ ዘተ ኣካይደን፡፡

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዳይሬክተር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ሜጄር ጄኔራል ጥሩዬ ኣሰፌ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝገለፀኦ፥ ካብ ጥንቲ ኣቦታትና ጀሚሩ ሃገር እንትትውረር ደቂ ኣንስትዮ ፍልፍል ሓበሬታ ብም፥ን፣ ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ንዘመትቲ ሞራል ብመሃብን ናይ ምንቕቓሕ ስራሕ እናሰርሓ ፀኒሐን ኢየን።

ብብርኪ ትካል እውን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊትን ጀጋኑ ተዋጋእቲን ኣዋጋእቲን ዘለዋ እንትኾና፥ ኣብ ዝተዋፈረኦ መደብ ዘዕግብ ውፅኢት እናምፅኣ ከምዝኾና ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕድ ሕድ ዜጋ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ልዑል ይኹ እምበር ንሰራዊት ድማ ድርብ ሓላፍነት ስለዝኾ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰራዊት እውን ሕድሕድ ከይዲ ብግቡእ ንምጥቃም ወፍሪ ህልውና ብምድጋፍን ብምስታፍን ሓገዝቲ ኣርኣያ ክኾ ኣለወን ምባለን ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment