ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወለንታውነት ንኢትዮጵያዊያን ካብ ፈታኒ ኩነታት ኣሰጋጊሩ ሐዚ ናብ ዘለናሉ ዘብፀሐና ክብሪ ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ሎሚ መዓልቲ “ወለንታውነት ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዝኽበር ዘሎ ዕለት ጠሚቱ ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ ወልታውነት ዕግበር ኣእምሮ ዝርከበሉ፣ ሓጎስ ዝፍጠረሉ፣ ሃገር እትለምዐሉ ብሰብነትና ዝተዓደልናዮ ውህብቶ ኢዩ ኢሉ።
ወለንታውነት ዝተትረፈረፈ ሃፍቲ ስለዘለና ወይ ዓቕምና ዝተፈለየ ስለዝኾነ እንፍፅሞ እንተይኮነስ ኩሉ ሰብ ዝተዓደሎ ፀጋ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
እቲ ፀጋ ናብ ተግባር እንትቕየር ናይ ካልኦት ህይወት ዝቕይር፣ ኣብ ፀገም ዘለዉ ንብዓት ዝሕብስ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።
ወለንታውነት ንኢትዮጵያዊያን ድልድል ሓድነት፣ ገመድ ዝምድና ብምዃን ካብ ትማሊ ክሳብ ሐዚ ብዙሕ ፈታኒ ኩነታት ኣሻጊሩ ሎሚ ኣብ ዘለውዎ ኩነታት ዘብፅሖም ልዑል ክብሪ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።
ሎሚ መዓልቲ ወለንታውነት እንትነኽብር ኣብ ኩሉ ዓውዲታት ዘለዉ ወለናታዊያን ብዝበለፀ ንምኽባርን ካልኦት ብዙሓት ወልታዊያን ንምቕራፅን ኢዩ ኢሉ።
ኢትዮጵያ ጉዕዞ ለውጢ ካብ እትጅምር ጀሚሩ መንግስቲ ንእወንታዊ ስራሕቲ ብዝሃቦ ጠመተ ናይ ብዙሓት ንብዓት ተሓቢሱ፣ ዝፈረሱ ኣባይቲ ተሃኒፆም፣ ዘካሪ ዝሰኣኑ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ሰብ ዋና ገዛ ኮይኖም ኢዮም ክብል ገሊፁ።
ስለዝኾነ ወለንታውነት ካብ ትማሊ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ካብ ዘሳገሩና እወንታዊ ክብሪታት ሓደን ሎሚ እውን ኣጠናኺርና ንቐፃሊ ተውልዲ ክነሳግሮ ዝግበአና ክብሪ ኢዩ ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።