ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ብቢልየነር ዓለም ዝኾነ ቢል ጌትስ ዝውነን ትካል ማይክሮሶፍት፥ ንሓያለ ዓመታት ሓያል ዓቕሚ ዘለዎ ኮምፒዩተር ንምስራሕ ኣብ ቀጻሊ ምርምር ምፅንሑ ተገሊፁ።
እንነሆ ድማ ከም ኣካል ናይዚ ጥሙሕ ሓድሽ ‘ቺፕ’ (ደቂቕ ንዋይ ኮምፕዩተር) ከም ዝመሃዘ ኣፍሊጡ’ሎ።
እዚ ‘ማጆራ 1’ ተባሂሉ ዘሎ ምህዞ ነቲ ዝሕለም ዘሎ ዘይተኣደነ ግድላት ዓለም ኣብ ሓጺር ህሞት ክፈትሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ‘ኳንተም ኮምፕዩተር’ ንምስራሕ ወሳኒ ግደ ዘለዎ’ዩ።
ከምዚኦም ዝበሉ ኳንተም ኮምፕዩተራት ንምስራሕ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል’ዩ ክንገር ጸኒሑ።
እዚ ሓድሽ ቺፕ ግን ድሮ ባናኡ ክርአ ዘኽኣለ ይመስል።
ደጊም ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ክግሃድ ከም ዝኽእል’ዩ ማይክሮሶፍት ኣበሲሩ ዘሎ።
‘ኳንተም ኮምፕዩቲንግ’ እንታይ’ዩ?
ትጽቢት ኳንተም ኮምፕዩተራት ኣማኢት ወይ ዓሰርተታት ዓመታት ንዝወስድ ንጥፈታት ናብ ካልኢታት፡ ደቓይቕ ወይ ሰዓታት ምውራድ’ዩ።
ኳንተም ኮምፕዩቲንግ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ስርዓተ-ቴክኖሎጂታት ሚልዮናት ዓመታት ዝወስድ ቅማረታት (ካልኩሌሽንስ) ከሕጽር’ዩ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ።
እቲ ሕልሚ ክግሃድ እንተ ክኢሉ፡ ኣብ ሕክምና፡ ስነቀመም (ኬሚስትሪ) ካልኦት ኣገደስቲ ዓውድታትን ዘገርም እወታዊ ረብሓታት ክፈጥር’ዩ።
እዞም ሎሚ ኣብ ኢድና ዘለዉ ኮምፕዩተራት፡ ላፕቶፓትን ተለፎናትን ክፈትሕዎም ዘይክኣሉ ኣገደስቲ ብድሆታት ኣለዉ።
እዘን ዓለም ትጽበየን ዘላ ሓያላት ኳንተም ኮምፕዩተራት ኣብ ኢድ ደቂሰብ እንተ ኣትየን ግን፡ እቶም ጸገማት ብቐሊሉ ክፍትሑ ይኽእሉ’ዮም።
ሓደስቲ ኣፋውስ ኣብ ምፍራይ ይዅን ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ሓያላት ባትሪታት ኣብ ምምሃዝ ድማ ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ ይኽእሉ።
ነዚ ዓንተር ኮምፕዩተር ንምስራሕ ዝተፋለለያ ትካላት ሲሊኮን ቫሊ (ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ መደበር መሃዝቲ ትካላት) ቢልዮናት ዶላራት ብምውጻእ ይቀዳደማ ምህላወን ይፍለጥ።
ማይክሮሶፈት ግን ነቲ ጉዳይ ካብ ናይ ኵሎም ፍልይ ብዝበለ ኵርናዕ’ዩ ኣትዩዎ ዘሎ።
ኳንተም ኮምፕዩተር ምስራሕ ፈለማ ‘ቶፖኮንዳክተር’ (ቶፖሎጂካል ኮንዳክተር) ኣብ ምፍጣር ዝምርኰስ’ዩ ኣካይዳ ማይክሮሶፈት።
እዚ ኣማዕቢልዎ ዘሎ ምህዞ ተጠቒሙ ከኣ “ቶፖሎጂካል ስቴት” ዝተባህለ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ‘ሓድሽ ፍጥረተ-ነገር’ (new state of matter) ይፈጥር። እዚ ሓድሽ ፍጥረት ዝብሃል ዘሎ፡ ጋዝ፡ ፈሳሲ ወይ ዝጭበጥ ነገር (ሶሊድ) ዘይኰነ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ብኽለሰሓሳባት (ቲዮሪ) ጥራይ ዝዝረበሉ ዝነበረ’ዩ።
እዚ ማለት፡ ነቲ ዝሕሰብ ዘሎ ኳንተም ኮምፕዩተር ንምስራሕ ኣብቲ ‘ማጆራን’ ዝተባህለ ንባዕሉ ብኽለሰሓሳባት ጥራሕ ዝርአ ዝነበረ ነገር ዝምርኰስ’ዩ ክኸውን።