ኳታራዊ በዓል ሃፍቲ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ናይ 100 ሺሕ ዶላር ቦንድ ንኻልኣይ ግዘ ዓዲጎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኳታራዊ በዓል ሃፍቲ ኣብደላህ ሳሌም ሱሌይቲን ብስም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ትካሎም ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ናይ 100 ሺሕ ዶላር ቦንድ ንኻልኣይ ግዘ ዓዲጎም።

እቶም በዓል ሃፍቲ ኣብ 2007 ዓ.ም ተመሳሳሊ መጠን ዘለዎ ቦንድ ብምዕዳግ ደገፎም ምግላፆም ይዝከር።

እቲ ዝገዝእዎ ቦንድ ዝምለሰሉ እዋን ብምብፅሑ ኢዩ ንኻልኣይ ግዘ ዕድጊት ቦንድ ፈፂሞም ዘለዉ።

ዝተረፈ ህንፀት እቲ ግድብ ብዓወት ንክዛዘም እወንታዊ ባህጎም ዝገለፁ እቶም በዓል ሃፍቲ፥ እቲ ግድብ ንኢትዮጵያን ንታሕተዎት ሃገራት ተፋሰሰን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሳሚያ ዘካሪያ ብግደኦም፥ ኣብደላህ ሳሌም ኣል ሱሌይቲን ንህዳሰ ግድብ ዝኸውን ዝገብርዎ ዘለዉ ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ንዝገበርዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ ብስም ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ አመስጊኖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment