ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ብዝምልከት መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ ብራስለስ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ብዝምልከት ግደ መሻርኽቲ ኣካላት ንምግምጋም ዝዓለመ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ ብራስለስ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ኔቶ ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዘለዋ ቅዋም እንታይ ከምዝኾነ ክግምገም ኢዩ።

ብተወሳኺ ካልኣይ ወርሑ ኣብ ዝገበረ እቲ ኲናት ኔቶ ዝነበሮ ግደ እንታይ ከምዝነበረ ከምዝግምገም ተገሊፁ።

ዋና ፀሓፊ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሩሲያ መሳርሒ ኲናት ኬሚካል እንተተጠቒማ ኣብ ህዝቢ ዩክሬን ዝዓበየ ጉድኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ምዝራቦም ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment