ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ኮሪያ (ኮይካ)ን ሚኒሰስቴር ሰላምን ጎንፂ ኣብ ዝተወለዐሎም ከባቢታት ማሕበረሰብ ዝሓቁፍ መፍትሒታት ንምፍጣር ዘስርሕ ፕሮጀክታ ንምፍፃም ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
እቲ ፕሮጀክት ጎንፂ ኣብ ዝተፈጠረሎም ከባቢታት ዘላቒ ሰላምን ኢኮኖሚያዊ ምርግጋዕን ንምፍጣር ዘኽእሉ ማሕበረሰብ ተኮር መፍትሒታት ንምብርትታዕ ዝዓለመ ኢ ተባሂሉ፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2022 ክሳብ 2025 ዝትግበር ፕሮጀክት እንትኸውን፥ 10 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተመደበሉ ተሓቢሩ፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ 5 ወረዳታት ክልል ኦሮሚያን 5 ወረዳታት ክልል ሶማሌን ከምዝትግበር ኮይካ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።