ኮንፌደሬሽን ጥምረት ፈጢርና ኢሎም ዝመፅኡ ደገፍቲ ህወሓት ከምዘይቕበሎ – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ብመሪሕነት ህወሓት ብኮንፌደሬሽን ጥምረት ፈጢርና ኢሎም ዝመፅኡ ደገፍቲ ህወሓት ሓይሊታት ከምዝኹንን ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ ክሕደት ሃገር ናብቲ ሎሚ ኣቲያቶ ዘላ ቅልውላው ከምዘእተዋ ዝገለፀ እቲ ቤት ምኽሪ፥ መንግስታትን ውልቀ ሰባትን ናይ ወፃኢ ሃገራት ባምቡላ መንግስቲ ንምፍጣር ዝገብረኦ ፃዕሪ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝስራሕ ስራሕ ሃገራት ደው ኢለን ካብ ምዕዛብ ነዓይ እውን ኣይቀርየለይን ብዝብል ክንቀሳቐሳ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ባዕሉ ብዝመረፆ መንገስቲ ዝመሓደር እምበር ተጠፍጢፉ ብዝፀዓነሉ መንግስቲ ናይ ምምሕዳር ታሪኽ የብሉን እውን ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ ዝኾነ ይኹን ጥምረት ኣይንቕበልን ክብል ቅዋሙ ገሊፁ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ልምዲ ውትድርና ዘለዎም ኣካላት ሃገሮም ንኽሕልዉ፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ንምጥያሽ ርብርብ ንኽግበር ከምኡ እውን ኣድላይነት እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዘሎ ኮይኑ ኣፈፃፅምኡ ካብ ሰብኣዊ መሰል ብዝተፃረረ ኣግባብ መንነት መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ምንግልታዕ ከይበፅሕ ጥንቃቐ ይገበር ክብልፀዊዑ።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment