ኮንፈረንስ ሰላምን ልምዓትን ክልል ቤኒን ሻንጉል ጉሙዝን ግዝኣት ብሉ ናይልን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኢትዮጵያን ግዝኣት ብሉናይል ሱዳንን ኮንፈረንስ ሰላምን ልምዓትን ይሳለጥ ኣሎ።

ሱዳን የብሉ ናይል ግዛት የሠላም እና የልማት ኮንፈረንስ በብሉ ናይል ግዛት ዋና ደማንን ከተማ ዛሬ መካሄድ ጀምሯል።

ኣብ ዋና ከተማ ግዝኣት ብሉ ናይል ከተማ ደማንን እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ኮንፈረንስ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒን ሻንጉል ጉሙዝን ኣሻድሊ ሓሰን፣ ፕሬዚዳንት ግዝኣት ብሉ ናይል ጀነራል መሓመድ ኣልዑምዳን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኦም ከባቢታት ተረኺቦም።

“ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ጉርብትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝካየድ ኮንፈረንስ፥ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብሓባር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሰላም፣ ፀፅታን ልምዓትን ኣፈፃፅመኦም ቀሪቡ ከምዝግምገም ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ ሓድነት ህዝቢታት ዘጠናኽሩ፣ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዝስርሑ ስራሕቲ ብዝበለፀ ኣጠናኺካ ክቕፅል ንምግባር ዘኽእሉ ሓበራዊ ኣንፈታት ከምዝቕመጡ ትፅቢት ይግበር፡፡

ሓድነት፣ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢታት ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ግዝኣት ብሉ ናይልን ንምርግጋፅ ብሓባር ዝሰርሑዎም ተግባራት ዝበረታታዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment