ኮንግረስ ኣሜሪካ ንረቂቕ ሕጊ ኤች ኣር 6600 ክድግፍ የብሉን ክብል ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ቅሬትኡ ኣስሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኮንግረስ ኣሜሪካ ንረቂቕ ሕጊ ኤች ኣር 6600 ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክድግፍ የብሉን” ክብል ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ቅሬትኡ ኣስሚዑ።

ምስ ኮንግረስ ማን ጆሴፍ ሞራለ ኣብ ኣፕ ስቴት ኒውዮርክ ኣብ ዝተገበረ ህፁፅ ኣኼባ ኢዩ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ሕጊ ዘለዎም ቅሬታ ኣስሚዖም ዘለዉ።

ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ድማ ነበርቲ ኒውዮርክን ከባቢኣን ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን መረፅ ብኣካይዳ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ከምዝሓዘኑ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ዲያቆን ዮሴፍ ተፈሪ ንተወካሊ ንተወካሊ ጆሴፍ ሞራለ፥ “ሕጊ ኤች ኣር ኢ ኤስ 128 እንትነሕልፍ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ሰፊሕ በደልን ገበንን ብምምሰዝዛን ዝደገፍኩምን ነቲ ሕጊ እውን ክወፅእ ዝሓገዝኩምን ሰብ መዚ መሊስኩም ነዚ ዘፍርስ ረቂቕ ሕጊ ምውፃእኹም ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ንኢትዮጵያ ብማዕቐብ ንምውቃዕ ዝግበር ጉያ ግቡእን ትኽክል ስለዘይኮነ ጠጠው ንኸብሉልና ንሓትት ክብሉ እውን ንተወካሊ እቶም ኮንግረስ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያውያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ በቲ ረቂቕ ሕጊ ሓዚኖም ኢዮም ቀዳማይ ዛዕባን ረብሓን እቲ ቤት ምኽሪ ስለዝኾነ፥ ሓገዝ ንደሊ ዝበሉ ድማ ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪን ዳይሬክተር ዩኒቲ ፎር ኢትዮጵያን ኣይተ ስዩም ኣሰፋ ኢዮም።

ወኪል እቲ ኮንግረስ ቢሮኦም ኤች ኣር 6600 ዝተብሃለ ረቂቕ ሕጊ ብዕምቆት ከምዝምርምሩዎን ሴኔት ዘሎ ተመሳሳሊ ረቂቕ ብምፅናዕ ስግኣት እቲ ቤት ምኽሪ ብምርዳእ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ገሊፆም፡፡

ይኹን እምበር እቲ ስጉምቲ እንታይ ከምዝኸውን ብዝርዝር ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment