ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ንምክልኻል ዝዓለመ መድረኽ ምልዕዓል ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝዓለመ መድረኽ ምልዕዓል ፀረ ኮንትሮባንድ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይሳለጥ ኣሎ።

ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብ ዘሰናደኦ መድረኽ ምልዕዓል÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል፣ ክልልን ምምሕዳር ከተማ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘብፀሖ ጉድኣት ሰፊሕን ተደራራቢ ብምዃኑ እቲ ተግባር ንምግታእ መንግስቲ ትኹት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ” ኢሎም፡፡

እቲ ኮሚሽን እውን ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ፀገም ብግቡእ ንምክልኻል ዘኽእሉ መመሓየሺታት ሕጊ፣ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ከምዝተገበሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment