ኮቪድ 19 ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ዘብፅሖ ዝኸፍአ ፀገም ንምክልኻል ዘኽእል ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮቪድ 19 ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ዘብፅሖ ዝኸፍአ ፀገም ንምክልኻል ዘኽእል ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝፀሓፍዎ፥ ውሕስና ስራሕ ሰራሕተኛታት ምርግጋፅ፣ ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ እቶት ንከይቋረፅ ምግባር፣ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ተበፃሒ ዝኾነ ስራሕቲ ምስራሕ፣ ስርዓት ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ምርግጋዕን ንኣፍረይቲ ኣካላት ድጋፍ ምሃብን ይግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ምርግጋፅ መፍረይነት ዓውዲ ሕርሻ ንውሕስነት ምግቢ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዝኾነ ዓይነት ሕፅረት ኣቕርቦት ንከየጋጥም ተዓሊሙ ኣብ ኣቕርቦት ዘመናዊ ዱኽዒ፣ ምሩፅ ዘርእን መድሓኒታት ፀረ ባልዕን ብዘይምቁርራፅ ከምዝቕፅል እውን ተዛሪቦም።

ንምርግጋዕ ኢኮኖሚ ክበሃል ኣብ ዓውዲ ሕክምና ልዑል መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ ተመጣጣኒ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከምዝስራሕ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment