ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዘይሕጋዊ ስእነት ውሕስና ስራሕ ከይበፅሕ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዘይሕጋዊ ስእነት ውሕስና ስራሕ ከይበፅሕ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያን ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፥ ብብርኪ ሃገር ንበል 45 ግዘ ብዓለም ለኸ ደረጃ ድማ ንመበል 131 ግዘ ዝኽበር ዘሎ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰራሕተኛታት (ሜይዴይ) ኣመልኪተን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መላእ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19፥ ከባቢ ስራሕን ሰራሕተኛን በቲ ለበዳ ሕማም ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ኣብ መልእኽተን ተመልኪተን።

ናይዚ ዓመት ሜይዴይ፥ እቲ ለበዳ ሕማም ብዘደንግፅ ቅልጣፈ ዓለም ኣብ ዝወረረሉን ኣብ ደቂ ሰባት ልዑል ሓደጋ ዘንፀላለወሉ እዋን ዝኽበር በዓል ምዃኑ እውን እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

ሃገራት እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ልዑል ፃዕሪ እናገበራ ከምዝኾና ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝተፈላለዩ መስዋእቲታት እናሓተተ ከምዝርከብ ተዛሪበን።

መንግስቲ እቲዮጵያ እውን እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝርከብ ገሊፀን።

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዘይሕጋዊ ስእነት ውሕስና ስራሕ ከይበፅሕ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ዝገለፃ ዶክተር ኤርጎጌ፥ እዚ ኣፀጋሚ እዋን ተሓባቢርካን ተሓባቢርካን ናይ ምስጋር ጉዕዞ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እተን ሚኒስትር፥ ንኩለመዳይ ድሕንነት ደቂ ሰባት ብሓድነት ደው ምባልን ምስላፍን ዘድልየሉ እዋን ብምዃኑ ንምኽባር መሰል ሰራሕተኛታት ብሕብረት ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲበን።

ዝርገሐ እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል፥ ሰራሕተኛታት ንባዕሎም ብምሕላውን ብዓወት ንምስጋርን ብዝተዋደደ ዓቕሚ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment