ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ምስ ተቛራፂ ሲ ሲ ኢ ሲ ሲ ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ምስ ተቛራፂ ሲ ሲ ኢ ሲ ሲ ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት መስመር ባቡር ኣብ ኣዋሽ መስ ዝርከብ ዴፖ መፃረዪ ነዳዲ ዘራኽብ እንትኸውን፥ ንኣገልግሎ መፅዓኒን መራገፈን  ዘድሊዩ ህንፀት ትካላት ዘካትት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀከት መስመር ባቡር ኣዲስ ኣበባ ምስ መስመር ባቡር ኣዋሽ – ኮምቦልቻ – ሀራ ገበያ ብምርኻብ መንፅር ልዑል ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ኢዩ።

እቲ ስምምዕነት ብ54 ነጥቢ 93 ሚሊየንዶላር ኣሜሪካ ዘሽፈን እንትኸውን፥ ወፃኢኡ ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን ኢዩ ተባሂሉ።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment