ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሸሻ ኢትዮጵያ ምስ መፍረዪ መሳርሒታት ሕርሻ ኩባኒያ ቻይና ዙምላይን ስምምዕነት ንግዲ ተፈሪሙ።
ሰነድ እቲ ስምምዕነት ክልተ ምዕራፋት ዘካተተ እንትኸውን÷ እቲ ቀዳማይ ብኽፋል ዝተገጣጠሙ መሳርሒታት ሕርሻ ብምምፃእን ተረፍ ስራሕቲ ገጠማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምዝዛም ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ዘካትት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ÷ መሳርሒታት ሕርሻ ብምምፃእ ኣብ ማእኸል እቲ ኮርፖሬሽነረ ሙሉእ ብሙሉእ ብምግጥጣም ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ፡፡
ፍርያታት ምሸላ ባሕሪ፣ ሩዝን ዓይኒ ዓተርን ንምእካብ ዘገልግሉ መሳርሒታት ዘካተተ ስምምዕነት ምዃኑ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ንምትእስሳር ንግዲ ናብ ቻይና ዘቕነዐ ጉጅለ ልኡኽ ዝመርሑ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ኣብ ቻንግ ሺ ኢንደስትሪያል ፓርክ ዙምላይን ዑደት ኣሳሊጦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com