ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ምስ ኩባኒያ ማኑፋክቸሪንግን ፈርኒቸርን ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብልዕሊ 2 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ኢንቨስትመንት ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይንን ዘበናዊ ናውቲ ቢሮን ምስ ዘፍሪ  ኩባኒያ ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር)ን ፈፃሚ ስራሕ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ማኑፋክቸሪንግን ኣንይ ፈርኒቸርን ኣንዳ ቨሂክል ው ሃንግሹ ፈሪሞምዎ፡፡

እቲ ኩባንያ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ኣብ 2 ሄክታር ዝለምዐ መሬት ካብቲ ኮርፖሬሽን ብምርካብ ናብ ስራሕ ዝኣቱ እንትኸውን÷ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ከምዝፈጥር ተገሊፁ፡፡

እቲ ኩባያ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ከምዘቕርብ ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment