ኮሪደር ንግዲ በርበራ-ኢትዮጵያ ንወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ኩነታት ብምድሃብ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሪደር ንግዲ በርበራ-ኢትዮጵያ ንወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ኩነታት ብምድሃብ ልዝብ ተኻይዱ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ትራንስፖርት ባሕሪን ኢትዮጵያ ኣይተ ሮባ መገርሳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ሶማሊላንድ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኮሪደር ንግዲ በርበራ-ኢትዮጵያ ንወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ኩነታት ብምድሃብ ልዝብ ኣካይዶም።

እቲ ዘተ ትካል ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ትራንስፖርት ባሕሪን ኢትዮጵያ ምስ ወደብ በርበራ ዘለዎ ክልተኣዊ ርክብ ብምጥንኻር ኣብ ቀፃሊ ብምትሕብባር ተሓባቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተኮረ ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ትካል እናሃቦ ዝርከብ ኣገልግሎት፣ ህንፀት ደረቕ ወደባትን መስፋሕፍሒ ፕሮጀክታትን ዝምልከት ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ገለፃ ምግባሮም ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment