ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሪደር ልምዓት ገፀር ጀፎረ ጉራጌ ሕዚ ንዘሎ ጥበብ ምህንድስና ኣብነት ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣማኻሪ ዓውዲ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡
ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ እዣ ቀበሌ መንጠር፤ ኣካል ኮሪደር ልምዓት ገፀር ኣብ ዝኾነ መንደር ይሰፋ ኣጣጥ ‘ጀፎረ’ ኣብ ዝተዓዘቡሉ እዋን÷ ህንፀት ፕሮጀክታት መገዲ ይኹን ካልኦት መሰረተ ልምዓታት እንትካየድ ጉዳይ ምኽባር ወሰን ማሕለኻ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ማሕበረሰብ ጉዳጌ ብዘለዎ ሃገር በቆል ጥበብ ሰፊሕ ኮሪደር ልምዓት ገፀር ሓሊዩ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ ወሰን መሬት ብባህላዊ ጥበብ ዳይነት ሓሊኻ ብምፅናሕ ምቹው፣ ንፁህን ውቁብን ከባቢ ንትውልዲ ንዘረከቡ ኣቦታት ጉራጌ ምስጋና ኣቕሪቦም።
“ጀፎረ” ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ስርዓት ዝካየደሉ ባህላዊ መንደር ጉራጌ እንትኸውን÷ ማሕበረሰብ ጉራጌ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዘደንፈዖ ነፀብራቕ ክብሪን ጥበብን ኣነባብራ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡