ኮማንድ ፖስት ባህርዳር – ጎንደር እናወሰዶ ብዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቲ ከባቢ ዝተረጋግአ ምግባር ተኻኢሉ – ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮማንድ ፖስት ባህርዳር – ጎንደር ኣብ ልዕሊ ፅንፈኛ ጉጅለ እናወሰዶ ብዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቲ ከባቢ ሰላማዊን ዝተረጋግአን ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣካቢ እቲ ኮማንድ ፖስትን ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራንብ ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለ ገሊፆም።

እቲ ኮማንድ ፖስት እዋነዊ ኩነታት እቲ ከባን ኣፈፃፅማ ትልሚን መበገሲ ብምግባር ምስ ኣመራርሓ ኮር፣ ምምሕዳር ዞባን ኣካላት ፀፅታን ኣብ ከተማ ጎንደር ገምጋም ኣካይዱ፡፡

ሌ/ጄ ብርሃኑ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እዋናዊ ኩነታ እቲ ከባ ምምሕያሽ እናርአየ ይርከብ፤ ሕብረተሰብ እውን ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሱ ብምምላስ ዝተረጋግአ ህይወቱ ንምምራሕ ዘኽእሎ ምቹው ኩነታ እናተፈጠረ ይርከብ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ምስ ሓይሊ ፀፅታ ተዋዲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዝገለፁ ሌ/ጄ ብርሃኑ÷ ሰላም እቲ ክልል ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምህናፅ ሰራዊት ምክልኻል ግቡኡ ብዝለዓለ ጅግንነት እናፈፀመ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ውቅዒት እቲ ሰራዊት ምፅዋር ኣብዩዎ ተበታቲኑ ኣብ መንደርን በቢዱሩን ዝተሓብአ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ብምድምሳስ ንሓረስቶት ምቹው ኩነታት ስራሕቲ ሕርሻ ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ፀሪሖም፡፡

ዓቕሚ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ውዳበ ፀፅታን ብምጥቃም ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment