ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋ ኣብ ዙሪያ ሰላምን ፀፅታን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ተግባራት እናገምገመ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋ ኣብ ዙሪያ ሰላምን ፀፅታን ዝተወገኑ ዓበይቲ ተግባራት ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን እናገምገመ ይርከብ።

ወረዳታት ዞባ ሰሜን ሸዋ ምምሕዳር ከተማ ደብረብርሃን ብሓባር ምኽክር እናካየዱዎ ኣብ ዝርከቡ መድረኽ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣህመዲን መሓመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ኣመሓዳሪ ከተማ ደብረብርሃንን ኣነራርሓታት ዞባ ሰሜን ሸዋ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ኣዛዚ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ዋና ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋን ሌተናል ጀነራል ሹማ ኣብደታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ዕላማ እቲ ገምጋም ህዝቢ ብቕልጡፍ ናብ ሰላሙ ንምምላስ ዝተሰርሑን ኣብ ቀፃሊ ክውገኑ ኣብ ዘለዎምን ስራሕቲ ሰላምን ልምዓትን ምዝታይ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዛዕባታት ሰላምን ልምዓትን ኣዋዲድካ ኣብ ምምራሕ ዘጋጥሙ ፈተናታትን ጥንኩራት ተግባራትን ከምዝፍተሹ ተሓቢሩ።

ብታለ ማሞ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment