ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ስራሕቲ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ስራሕቲ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፥ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ንክልተ መዓልቲ እናካየዶ ዝነበረ ስሩዕ ኣኼባ ምዝዛሙ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ብናልፍ ኣንዱ ኣለም እቲ ኣኼባ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ፓርቲ 25ን 26ን ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ኣድሂቡ ከምዝተዛተየ ገሊፆም።

እቶም ዛዕባታት ድማ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት፣ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊ ጉዳያትን ምድላውን ጎስጓስን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ሃገራዊ መረፃ 2013 ዓ.ም ዝምልከቱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ኣጥፋኢ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ፤ መንግስቲ ተገዲዱ ናብ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ከምዝኣተወ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብኢደዙር ኣብ ካልኦት ከባቢታት እናፈፀሞም ዝነበሩ መጥቃዕቲታት ተስፋ ብምቑራፅ ዝፈፀሞን ተግባር እቲ ጉጅለ ብቐጥታን መንነቱ ክፍለጥ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተገምገመ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዕዉት ንኽኸውን ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ክልል ኣምሓራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋርን ሓገዝ ናውቲን ሞራልን እናገበረ ዝነበረ ህዝቢ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ፕሮፓጋንዳ ጁንታ ህወሓት ብዘይምቕባል ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻልን መንግስቲን ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ እቲ ፓርቲ ዘለዎ ናእዳ ኣቕሪቡ።

ኣተሓባበርቲ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ከይዲ ብቕልጡፍ ንኽዛዘም፥ ኣብቲ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣፍሊጦም።

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መንበሪ ገዝኦም ንምምላስን መሊሶም ንኽጣየሹን፣ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ቀልጢፎም ተስተኻኺሎም ንህዝቢ ግልጋሎት ክህቡ ከምኡ እውን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ብቕልጡፍ ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት ንኽምለሱ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ ኢሎም።

በቢከባቢኡ ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ እውን እቲ ፈፃሚ ስራሕ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ኣይተ ብናልፍ ኣንዱ ኣለም ገሊጾም።

ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ብዝምልከት ድማ ብሄረ መንግስቲን ሃገረ መንግስቲን ኣብ ምህናፅ ከይዲ ጫፍ ዝወፅኡ ኣተሓሳስባታት ከምዝረኣዩ ዝተመልከተ እቲ ፈፃሚ ስራሕ፥ እዚ ንምስትኽኻል ህዝቢ ፖለቲካዊ ንቕሓት ክህልዎ ምስራሕ ክዝግባእ ከምዝተገምገመ ኣብሪሆም።

ብመንፅር ዓለም ለኻዊ ኩነታት ብፍላይ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው፤ ምስ ፖለቲካ ኣባይ ተተሓሒዙ ግድብ ህዳሰ ከይዛዘምን ዝድለ ብርኪ ከይበፅሕን ዝናፈሱ ፕሮፓጋንዳታት ብዝርዝር ዘተ ተኻይዱ ግልፂ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እውን ኣፍሊጦም።

መረፃ ብዝምልከት፥ ሃገራዊ መረፃ 2013 ዓ.ም ሰላማዊ፣ ናፃ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ዝረኸበ ንኽኸውን ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅና ትፅት ዝግበረሉ ኩሉ ኣማሊኡ በቲ ከይዲ ንምሕላፍ ምድላው ምግባሩ እውን እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

ፓርቲ ብልፅግና እቲ መረፃ ንምስዓር ማኒፌስቶ ኣሰበ,ናዲኡ ናብ ጎስጓስ መረፃ ከምዘኣቱ እውን ኣብሪሆም።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment