ኮሚቴ ኣቕራቢ ሕፁያት ኮሚሽነራት ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ኣቕራቢ ሕፁያት ኮሚሽነራት ስርሑ ብዕሊ ምጅማሩ ገሊፁ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ኮሚቴ ኣቕራቢ ሕፁያት ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣብ ዝገበሩዎ ቀዳማይ መዓልቲ ዘተ ስርሑ ብዕሊ ከምዝጀመረ ኣብሲሮም፡፡

ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እቲ ኮሚሽን ንምምሕያሽ ቀፃሊ ዘተ ክካየድ ኢዩ እውን ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘተ ኣብ ትልሚን መምዘኒታት መለክዒን እታወት ብምውሳኽ 9 ሕዳር 2013 ዓ.ም ቀሪቡ ክፀድቕ ከምዝግባእ እቶም ኣፈ ጉባኤ ውሳነ ኣመሓላሊፎም፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ኮይኖም ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ምስራሕ ንኽኽእሉ ኣብ ቀፃሊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ውሽጢ እቲ ባይቶ ምስ ተጣየሸ ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሓደ ሰብ ተመዲቡ ስርሑ ንኽጅምር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ፡፡

ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ፥ ዝቐረበ ፀብፃብ መበገሲ ብምግባር ኣብ መመዘኒታትን መለክዒታትን ምምሕያሽ ክግበረሉ ከምዝግባእ ሓቢረን፡፡

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ብግደአን፥ ሕፁያት ኮይኖም ዝቐርቡ ውልቀ ሰባት ብትምህርቶም ብቑዓት ክኾኑን ንሕገ-መንግስቲ ተገዛእቲ ክኾኑ ከምዝግባእን ኣብቲ መመሓየሺ ክካተት ከምዝግበኦ ተዛሪበን፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽንሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ፥ ኣብቲ ትካል ብዙሕ ናይ ውዳበ ለውጢታት እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅፅ፤ ክመሓየሹ ዝግበኦም መመዘኒ መለክዒታት ብዝብል ዝተልዓለ ሓሳብ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment