ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ብፀገም ፀፅታ ንዝተመዛበሉ 24 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ምግቢ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ4፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳ ዱግዳ ዳዋ ብፀገም ፀፅታ ንዝተመዛበሉ 24 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ምግቢ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሰር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ ፅሑፍ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ፀገማት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቱ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ዱግዳ ዳዋ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ምኽንያት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ 24 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ምግቢ ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment