ኮሚቴ ሚኒስትራት ዕለታዊ ደገፍ ካብ ምስላጥ ብተወሳኺ ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን መሰረተ ልምዓታት ናይ ምምላስ ርብርብ ከምዝቐፀለ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ማእኸል ምትሕብባር ዘርፊ ብዙሕ ወሃቢ ምላሽ ኮሚቴ ሚኒስትራት ዕለታዊ ደገፍ ካብ ምስላጥ ብተወሳኺ ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን መሰረተ ልምዓታት ናይ ምምላስ ርብርብ ከምዝቐፀለ ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ሰብኣዊን ማሕበራዊን ቀውስታት ምላሽ  ኣወሃህባን መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን ከይዲ ትኹረት ብምሃብ ይስርሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

በቢክልተ መዓልቲ ኣብዝገብሮ ኣኼባ ህፁፃት ድልየታት ብምፍላይ፣ ኣንፈት ብምሃብን ውሳነታት ብምሕላፍን በቢከባቢኡ ምስ ዝተጣየሸ ማእኸላት ተግባራት ህፁፅ ጊዜ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብኣካብነት ሚኒሰትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ፥ በቢዓውዱ ዘሎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ብማቕራብ ንቐፃሊ ብዛዕባ ዝስርሑ ተግባራት ተፈሊዮም ኣንፈታት ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment