ኮሚቴ ሚኒስትራት ማእኸል ምትሕብባር ብሄራዊ ህፁፅ እዋን ኩለ መዳይ ወሃቢ መልሲ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኮሚቴ ሚኒስትራት ማእኸል ምትሕብባር ብሄራዊ ህፁፅ እዋን ኩለ መዳይ ወሃቢ መልሲ ስሩዕ ኣኼቡኡ ኣካይዱ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዝተፈጠሩ ሰብኣዊን ማሕበራዊን ፀገማት ኣወሃህባ ምላሽን ተግባራትን ከምኡ እውን ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ከይዲ ዝምልከት ልዝብ ገይሩ፡፡

ኣብ ዝርገሐን ቀረብን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምኡ እው ኣብ እዋን ከይዲ መሊስካ ምጥያሽ ዝተሰርሑ ተግባራት ኣፈፃፅመኦም ዝምልከት ፀብፃብ ቀሪቡ።

ብተወሳኺ እውን ተግባር ምንቅስቓስ እቲ ማእኸልን ዘፈርን መዳርግቲ ኣካላትን ከምኡ እውን እናተገበረ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን እናተኻየደ ዝርከብ መሊስካ ምህናፅ ካብ ከይዲ ጀሚሩ ሕዚ ዝርከበሉ ብርኪ ዝድህስስ ፅሑፍ ቀሪቡ ኢዩ፡፡

ኣብቶም ዝቐረቡ ፀብፃባት ልዝብ ተገይሩ ቀረብን ዝርገሐን ንምዕባይን ቅድሚት ዝወሃቦም ተግባራትን ምፍላዩ ተገሊፁ፡፡

ዝወሃብ ቅልጡፍ ምላሽ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣካቢት እቲ ኮሚቴ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ተግባራት ኣመልኪተን መምርሒ ምሃበን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment