ኮሚቴ ሚኒስትራት መተኣኻኸቢ እቶት ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጎብኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ሚኒስትራት መተኣኻኸቢ እቶት ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጦር ሃይሎች እናተሓከሙ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጎብኒዩ።

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውና ሃገርን ጉድኣት ዝበፅሖም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ክትትል ሕክምና እናገበሩ ይርከቡ፡፡

ኣብ ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጦር ሃይሎች ኣባላት ሚኒስትራት ሓዊሱ ሚኒስትር ዲኢታታትን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም በፂሖምዎም።

ኮሚቴ ሚኒስትራት መተኣኻኸቢ እቶት ንሰራዊት ምክልኻልን ሚኒስትር ሰላምን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ “ንኽብሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዱርን ገደልን ዝተዋደቕኩም ደቂ ቁርፂ መዓልቲ ስለዝኾንኩም ስምኩም ኣብ መዝገብ ታሪኽ ተሓቲሙ ክነብር ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ብልዑል ስምዒት ዝገለፁ እንትኾኑ፥ እቶም ኣባላት ሰራዊት እውን ህዝቢ ንዘርአየ ውግንና ኣድናቖቶም ገሊፆም።

እቲ ኮሚቴ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናተኣኻኸበ እንትኸውን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሓገዝ ዘድሊዮም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ናይ ምሃብ መርሃ ግብሪ ከምዝጅምር ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment