ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝተወደበ 1 ን20 ዝብል ጉጅለ ብምርመራ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ካብ ህወሓትን ኦነግ ሽኔን ልኡኽ ጥፍኣት ብምውሳድ ዝተወደበ 1 ን20 ዝብል ጉጅለ ብምርመራ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣቢሮ ምርመራ ገበን እቲ ኮሚሽን ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ዘብረሀ ብእኒ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዱ 7 ተጠርጠርቲን ብርጋዴር ጄነራል አሊጋዝ ገብሬ 4 ተጠርጠርቲን ዝተኻተትሉ መዝገብ ምርመራ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ኢዩ።

ፖሊስ ኣብ መዝገብ እኒ ሜጀር ጄነራል ገብረ መድህን ፍቃዱ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፈርዲ ኣራዳ መድብ ችሎት ቀዳማይ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቦ ጊዘ ምርመራ ካብ ተጠርጠርቲ ረኺበዮ ካብ ዝበሎም መረዳእታታት ሓደ፥ ካብ ኣመራርሓ ህወሓት ልኡኽ ብምቕባል ኔት ዎርክ አዝ ሰሜን ብምብታኽ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንክውቃዕ ብዛዕባ ምግባሮም ዘረድኡ ቃል መሰኻኽር ምቕባል ዝብል ተረቋሒ ኢዩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምስ ኣመራርሓ ኦነግ ሽኔ እውን ርክብ እንትገብሩ ከምዝነበሩ ዘረድኡ መሰኻኽር ቃል ከምዝተቐበለ እውን ተገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ልዕል ኣመራርሓ ኮሌጅ ኣካዳሚ ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ እኒ ብርጋዴር ጄነራል ኣሊጋዝ ገብሬ እውን ተመሳሳሊ ስራሕቲ ምርመራ ከምዝፈፀመ ገሊፁ።

ኣብ ክልቲኦም መዝገባት ምርመራ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ብሕቡእ ኣጀንዳ ፖለቲካን ጥፍኣትን ብምሓዝን 1 ን20 ብዝብል ኣብ ውሽጢ ዝተጣየሸ ጉጅለ እቶም 11 ተጠርጠርቲ ዝነበሮም ተሳትፎ ፖሊስ ንመጋባእያ ገሊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልቲኦም መዛግብቲ ምርመራ ዘርከቡ ተጠርጠርቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሰል ብምጥቃስ መሰል ዋሕሶም ንክኽበረሎም ሓቲቶም።

ፖሊስ እውን ነቲ ሕቶ ውሕስና ብምቅዋም ከምዝተኸራኸረ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

የማነ ፀጋም ከርክር ዝሰምዐ እቲ መጋባእያ ኣብ ልዕል እኒ ሜጀር ጄነራል ገብረ መድህን ፍቃዱ ትእዛዝ ንምሃብ ንፅባሕ 1 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ቆፀሮ እንትህብ፥ ኣብ መዝገብ እኒ ብርጋዴር ጄነራል ኣሊጋዝ ድማ ፖሊስ ካብ ዝሓተቶ 14 መዓልታ 12 መዓልታት ፈቒዱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment