ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣድሂቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ኮሚሽን ነህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንመበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ እንቋዕ ኣብፀሐኩም ኢሉ።
እቲ ከይዲ ምርጫ ካብ ዝጅመር ክሳብ ሐዚ ብትዕግስቲ ንዝገበርክምዎ ድጋፍን ምትሕብባርን ነመስግን ዝበለ እቲ ኮሚሽን፥ ኣብ ዝቕፅል ከይዲ ነቲ መርጫ ዘተዓናቕፍ ዘጠራጥር ጉዳይ እንተጋጥም ሓበሬታ ንዝምልከቶ ኣካል ብምህባ ልሙድ ምትሕብባር ንክግበር ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ንተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ሕጊ ምርጫ በምኽባር ክሳብ ሐዚ ንሰለማውነት እቲ ምርጫ ንዘበርከትዎ ሃናፂ ኣስተዋፅኦ አመስጊኑ።
ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ምርጫ ሰለማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ እቲ ኮሚሽን ብኣፅንኦት ሓቲቱ።
እቲ መግለፂ ንኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ክልላትን ፌዴራልን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ክሳብ መስዋእቲ ዝበፅሕ ግቡእ ብምፍፃም ፍፁም ገለልተኛ ብምዃን ለይቲን ቀትሪን ንዘበርክትዎ ዘለዉ ኣስተዋፅኦ ካብ ልቢ ከምዘመስግን ገሊፁ።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝህሉ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂን ሓፈሻዊ ንዕውትነት እቲ ከይዲ ምርጫን ዝተውሃበ ሰላምን ድሕንነትን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከምልሙድ ንክዋፅኡ ሓደራ ኢሉ።
ኢትዮጵያ እትርከበሉ ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ከይዲታት ምርጫ ካብ ህውከትን ዕግርግርን ዝነፅሁ ንክኾኑ ምስ መሓዉር ፀፅታን ደሕንነትን ብምውዳድ ትልሚ ድሕንነት ምርጫ ብምድላው፤ ኣብ ቅድመ ምርጫ፣ ዕለተ ምርጫ፣ ድሕረ ምርጫ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ውሽጣዊን ግዳማዊን ኩነታት ፀፅታ ብኣግባቡ ብምትንታንን ብምፍላይን ኣድላዪ ምድላው ብምግባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።
ስለዝኾነ እቲ ምርጫ ነምርግጋፅ ሰላም እዛ ሃገርን ግዝፈት እዛ ሃገር ንመላእ ዓለም እነርእየሉ ኩነት ምዃኑ ከምዝተረደአ ዝሓበሪ እቲ ኮሚሽን፥ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀረ ሰላም ሓይሊታት እቲ ፀፅታ ንምንጋዕ፣ ሰላማዊነት እቲ ምርጫ ንምዝራግን መበገሲ ህውከትን ዕግርግርን ንምግባርን ከምዝንቀሳቀሱ ካብ ብሐዚኡ ብምርዳእ ምንም ዓይነት ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ንከይህሉ ካብ ፌዴራል ክሳብ ክልል ዘለዉ መሓውራት ፀፅታ ብልዑል ሓላፍነትን ተሓታትነተን ዝተውሃቦም ሃገራዊ ልኡኽ ብብቕዓት ምውፃእ ዘኽእሎም ኩለ መዳይ ዓቕሚ ብምህናፅ ሙሉእ ምድላው ብምዝዝም ናብ ወፍሪ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።
እቲ ሃገራዊ ምርጫ ብሰላማዊ ኩነታት ንክዛዘም መላእ ህዝብን ሓይሊታት ፀፅታን ብምውዳድ ንክሰርሑ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።
ኣብ ዕለትን ድሕረን ምርጫ ዘግበሩ ምንቅስቓሳት ብኣግባብ ሕጊ ጥራሕ ንክኾኑ እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።